Translate

Saturday, July 12, 2014

ቅድም እግዚኣብሔርዶ፥ ቅድም ሃገር?

ቅድም እግዚኣብሔርዶ፥ ቅድም ሃገር?

እዚ ኣርእስቲ እዚ ከም ተኣፋፊ፥ ዘየድልን ጎዳእን ኮይኑ ዝስምዖም ሰባት ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ግናኸ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ክርስቲያን እቲ ናይ እግዚኣብሔርን ናይ ሃገርን፥ ናይ ፈጣርን ፍጡርን፥ ሰማያውን ምድራውን፥ ዘለዓለማውን ግዚያውን ብግቡእ ፈላሊና ከይፈለጥናን፥ ዘዝግብኦ ክብሪ-ቀዳምነት ከይሃብናን፥ ኣብ መንፈሳዊ ይኹን ሃገራዊ ጉዕዞ-ሕይወትና ዕብየትን ክብረትን ክንረክብ ኢና ኢልካ ምሕሳብ ከንቱ ድኻም ጥራይ እዩ። ስለ ምንታይሲ ከምቲ ኣይሓኽሉ፥ ኣይምሳሩ ዝበሃል ኣብ ዘዘይቦትኡን ዘዘይመልክዑን ዝሓዘ ዕላማ ውድቀትን ሞትን እምበር ዕብየትን ሕይወትን ከምጽእ ዘይክእል ስለዝኾነ።
በዚ ኣርእስቲ እዚ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ቀንዲ ምኽንያት፡ ገለ ፈላጣት ኢና ዝብሉ ሰባት፡ ንመለኮታዊ ክብሪ እግዚኣብሔርን ምድራዊ ክብሪ ሃገርን ዝሓዋውሱ፥ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን ቤተ መንግሥትን ጽልኢ ዝቝስቑሱ፥ ናይ ሎሚ እምበር ናይ ጽባሕ ዘይሓስቡ፥ ብሓሶት ንልቢ ገርህታት ዘደናግሩ፥ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ዘየድሊ ጎስጓሳትን ብዙሕ ጌጋታት ክፍጽሙ ብምርኣየይን ብምስምዐይን እዩ። እምበኣር ከምቲ ነቢይ ሆሴዕ ህዝበይ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ሰኣን ምፍላጦም ይጠፍኡ ኣለዉ (ሆሴ 4፡6 )ዝበሎ ምእንቲ ከይንኸውን፡ ልዕልና እግዚኣብሔርን፥ ክብሪ ሃገርን፥ ደረት ግዝኣተ-ቄሣርን በብመገዱ ፈላሊና ብዕምቆት ክንፈልጥን ንኻልኦት ከነፍልጥን፥ መንፈሳዊ ግቡእናን ክርስቲያናዊ ግደታናን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።
ብመሠረቱ ቅድሚ እግዚኣብሔር እንሰርዖ ዝኾነ ይኹን፡ ይዕበ ይንኣስ፥ ይኽበር ይሕሰር፥ ይብዛሕ ይውሓድ፥ ብዘየገድስ ኩሉ ጣኦት እዩ። ጣኦት ማለት ከኣ ብሓለፋ ንልብና፥ ድሌትና፥ ኣእምሮናን ግዜናን ዝቆጻጸር፥ ብዳምነት እንሰርዖን እነምልኾን፥ ኣንጻር እግዚኣብሔር ማለት እዩ። ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ቀዳምነት ክንሰርዖ ዝግባእ ክምህር ከሎ፡ ንስኻትኩምሲ ድም መንግሥቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፥ እዚ ኹሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ(ማቴ 6፡33።) ይብለና። ስለዚ ቅድም መንግሥቲ ኣምላኽን ጽድቁን እንተ ደሊና፥ ብድሕሪኡ ነቲ እንደልዮን፥ እንምነዮን ኩሉ ሠናይ ዝበለ ኣምላኽ ከም ዝህበናን ከም ዝውስኸልናን ክንጠራጠር ኣይግባእን። ምኽንያቱ ኣምላኽ ከይጠልም ሰብ ኣይኮነን። ከይከልእ ከኣ ዝሰኣኖ ፈጺሙ የሎን። በዚ መሠረት ኢና እምበኣር ቅድሚ ሃገር፥ እግዚኣብሔር ክስራዕ ኣለዎ ንብል ዘሎና።
ኣቦና ንጉሥ ዳዊት ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ምድሪ ብምልእታ ንእግዚኣብሔር ተምልኾ። ኣብ ዓለም ዚነብሩ ኵሎም ሕዝቢ ንእግዚኣብሔር የኽብርዎ ዝብል ግሩም ዝኾነ ትምህርትን ማዕዳን ጽሒፉልና ኣሎ (መዝ 33፡8)። ከምዚ ሎሚ ዓለምና ከም ግራት-ግብሪ፥ ብዶባትን ሃገራትን ከይተመቓቐለት ከላ፥ ብመንፈስ ትንቢት ተመሪሑ ንብምልእታ ዓለም ዝጸሓፎ ስለዝኾነ ድማ ንኹሉ ሰብን ንኹለን ሃገራትን ዝምልከት ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ። ንሕና ድማ ከም ህዝብን ሃገርን መጠን በቲ ኣቐዲሙ ዝተጻሕፈልናን ዝተነግረናን ቅኑዕ መገዲ እግዚኣብሔርን ምድራዊ ሕግታት ሃገርን ተማእዚዝና እንተ ነበርና ኣምላኽና ይሕጎስ፥ ሰብና ይምጎስ። ከም ፍረ ውጽኢት ናይዚ ድማ ምድራዊ ሃብትን ሰማያዊ በረኸትን ይስስን። ብመንፈሳዊ፥ ማሕበራዊ፥ ሞራላውን ቁጠባውን ዕብየትን ክብረትን ከም ዝሰፍሕ ከኣ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ባዕሉ ሕራይ እንተ በልኩምንን እንተ ተኣዘዝኩምንን ምድሪ ተፍርዮ ሠናይ ዘበለ ኽትበልዑ ኢኹም ስለ ዝበለ (ኢሳ 1፡19)። ከምቲ ሰኣን ኣሜን ይሓልፍ ምርቓ ዝበሃል፥ ሰኣን ሕራይ፥ ድኻም ጥራይ እዩ
ነቢይ ኢሳይያስውን እግዚኣብሔር ንሰማያት ፈጠረ። ኣምላኽ ማለት ንሱ እዩ። ንምድሪ ደኮናን ፈጠራን ኣጽንዓን ይብል (ኢሳ 45፡18)። በዚ መሠረት እምበኣር ምድሪ ንባዕላ ብእግዚኣብሔር ዝተፈጥረትን ደቂ-ሰብ ክነብሩላን ክዓይዋን ከም ዝተደኮነት ንፈልጥ ኢና። ብኣምላኽ ዝተፈጥረት ስለ ዝኾነት ድማ ነቲ ቀዳማይ ቦታ ኣምላኽ ክትሕዝ ፈጺሙ ዝግባእ ኣይኮነን። ከምቲ ገሊኦም ቅድም ቀዳድም ልዕሊ ኩሉ ሃገር፥ ብድሕሪኡ ከኣ እግዚኣብሔር እናበሉ፥ ጌጋ ዝኾነ ናይ ባዕሎም ስምዒታዊ ትምህርትን ናይ በለጽ ጎስጓሳት ዘካይድዎ መገዲ ዘይኮነስ፥ በቲ ንቡርን ቅቡልን ዝኾነ ቅኑዕ መገዲ ሓቂ ናይ ቄሣር ንቄሣር፥ ናይ እግዚኣብሔር ድማ ንእግዚኣብሔር ሃቡ (ማቴ 20፡21) ዝብል ጥንታዊ ሕጊ ኣምላኽ ብልቢ ኣኽቢርና ክንነብር፥ ዓቢይ መንፈሳውን ሃገራውን ሠናይ ረብሓ ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእን።
ሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም
ቅዱስ ሚካኤል ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ
http://www.earlheinrich.com/Ancient%20Nubia/Aksum_Empr-Map-72dpi.jpg 

 

No comments:

Post a Comment

Note: Only a member of this blog may post a comment.